ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሻሸመኔ መንገድታት ክዕጾን ኣድማ ክካየድን ዝተመሓላለፈ ጻውዒት ምፍሻሉ ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ መንገድታት ክዕጾን ኣድማ ክካየድን ተመሓላሊፉ ዝተባህለ መጸዋዕታ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ከምዘይሰርሐ ነበርቲ`ታ ከተማ ን ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ሻሸሜኔ ሰላም ከምዝኾነትን መንገዲ`ውን ከም ዘይተዓጽወ፥ በታ ከተማ ዝሓልፍ ትራስፖርት ከምዘይተቛረጸን ዝገልጹ ነበርቲ፥ እንተኾነ ግን ኣብ በቦ ትኡ ዝንዝሑ ናይ በለካ ለኽዓካ ወረታት ካብ ማሕበራዊ ጸገም ሓሊፉ ኣብ ቁጠባ `ውን ጉድኣት የስዕብ ምህላዉ ሓቢሮም።

ክፍሊ ጸጥታ ሻሸመኔ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፥ ህዝቢ`ታ ከተማ ደላዪ ሰላም ከም ምዃኑ መጠን፡ ምስ ክፍሊ ጸጥታ ብምውህሃዱ እቲ ናይ ጸረ-ሰላም ምንቅስቓስ ፈሺሉ`ዩ ኢሉ።

Recommended

XS
SM
MD
LG