ሃዋሳ —
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ መንገድታት ክዕጾን ኣድማ ክካየድን ተመሓላሊፉ ዝተባህለ መጸዋዕታ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ከምዘይሰርሐ ነበርቲ`ታ ከተማ ን ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።
ሻሸሜኔ ሰላም ከምዝኾነትን መንገዲ`ውን ከም ዘይተዓጽወ፥ በታ ከተማ ዝሓልፍ ትራስፖርት ከምዘይተቛረጸን ዝገልጹ ነበርቲ፥ እንተኾነ ግን ኣብ በቦ ትኡ ዝንዝሑ ናይ በለካ ለኽዓካ ወረታት ካብ ማሕበራዊ ጸገም ሓሊፉ ኣብ ቁጠባ `ውን ጉድኣት የስዕብ ምህላዉ ሓቢሮም።
ክፍሊ ጸጥታ ሻሸመኔ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፥ ህዝቢ`ታ ከተማ ደላዪ ሰላም ከም ምዃኑ መጠን፡ ምስ ክፍሊ ጸጥታ ብምውህሃዱ እቲ ናይ ጸረ-ሰላም ምንቅስቓስ ፈሺሉ`ዩ ኢሉ።