ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሸዋሮቢት ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ሓይልታት ጸጥታን ብዝተላዕለ ግጭት 6 ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ይገልጹ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከተማ ሸዋ ሮቢት፡ ኣብ መንጎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝወጹን ሓይልታት ጸጥታን ዝተፈጥረ ግጭት ሽዱሽተ ሰባት ምቕታሎም ነበርቲ ይገልጹ።

ለንቅነ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዞባ ጊንቢ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምቅዋም ዝሓለፈ ሓሙስ ንዝተኻየደ ሰልፊ ኣተሓባቢርኩም ዝተባህሉ ሰባት ድሕሪ ምእሳሮም ግጭት ምውልዑ እቶም ነበርቲ ይገልጹ።

እቶም ተሰለፍቲ፡ ኣብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓራ ዝተፈጸመ ቕትለት ንኹንን ዝብል ጭርሖ ሒዞም ከምዝነበሩ`ዩ ይግለጽ'ሎ። ድሕሪኡ ዘሎ መዓልቲ ዝተኣስሩ ይፈቱሑልና ዝብሉ ሰባት ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ግጭት ከምዝኣተዉ እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።

ሰበ-ስልጣን ምምሕዳር ሸዋ ሮቢት ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ቕትለት ንድምጺ ኣመሪካ ምላሽ ክህቡ ኣይተረኽቡን።

XS
SM
MD
LG