ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ብዝተፈፀመ ሰለስተ ናይ ቦምብ መጥቓዕትን ቶኽስን 23 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ዋና ከተማ ሶማል ሞቓድሾ ሎማ ዓርቢ ብዝተፈፀመ ሰለስተ ናይ ቦምብ መጥቓዕትን ቶኽስን ኣርባዕተ ዕጡቓት ሓዊሱ እንተወሓደ 23 ሰባት ከምዝተቐትሉ መሰኻኽርን ሰበስልጣን ጥዕናን ገሊፆም።ሓላፊ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ እቲ ከባብ 45 ቑሱላት ናብ ሆስፒታል ምውሳዶም ገሊፆም።

ኣብ ናይ ደቓይቕ ኣፈላላይ ዝተፈፀሙ መጥቓዕታት ሳሓፊ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ሆቴልን ከባቢኡን ዒላማ ዝገበረ እዩ።እቲ ሆቴል ኣብ ጥቓ ዋና ቤት ፅሕፈት ክፍሊ ገበናዊ ምርመራ ፖሊስ ሶማል ከምዝርከብ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣርባዕተ ዕጡቓት ናብቲ ሆቴል ብምእታውን ናብ ላዕሊ ብምድያብን ናብ ሰባት ምትኳሶም ሰበስልጣን ፀጥታ ሓቢሮም።ሓይልታት ፀጥታ ነቶም ዕጡቓት ከምዝቐተሉዎምን ንዓሰርተታት ሰባት ካብ ውሽጢ ሆቴል ከምዘድሓኑን ወሲኾም ገሊፆም።

ኣል-ሸባብ ሓላፍነት እቲ መጥቓዕቲ ወሲዱ’ሎ ።

XS
SM
MD
LG