ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሞቓዲሾ ብዝተፈንጀረ ነትጒ 17 ሰባት ሞይቶም


ከተማ ሞቓዲሾ
ከተማ ሞቓዲሾ

ካብ ከተማ ሞቓድሾ 50 ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ጎለለይ ዝተባህለ ናይ ገጠር ዓዲ ብዝተፈንጀረ ነትጒ ብውሑዱ 17 ሰባት ምሟቶም ሰበስልጣን መንግስቲ ኣረጋጊፆም።

ካብ ሞቓድሾ ናብ ጆውሃር ትጉዓዝ ኣብ ዝነበረት ኣውቶቡስ ዝተመሓየሸ ነትጒ ከምዝተፈንጀረ ወሃቢ ቃል መንግስቲ መሓመድ ኢብራሂም ሞዓሊሙ ገሊፆም ኣለው።

ብርክት ዝበሉ ሰባት ንህይወት ብዘስግእ ደረጃ ዝቖሰሉ ስለዘለው በዝሒ ናይ ዝሞቱ ክውስኽ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ዛጊት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን መንግስቲ ግን ፈጻሚ’ኡ ኣል-ሸባብ እዩ ኢሉ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG