ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሞቓዲሾ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 11 ሰባት ሞይቶም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሶማል ከተማ ሞቃዲሾ ብዘጋጠመ ብርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 11 ሰባት ምሟቶም መሰኻኽርን ሰበ ስልጣንን ገሊጾም።

እቶም መሰኻኽር፣ እቲ ፈጻሚ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ናብ ሓደ እንዳ ሻሂ ምስኣተወ ተዓጢቁዎ ዝነበረ ነታጒ ከምዝተተኾሰ ሓቢሮም።

እቲ መጥቃዕቲ ዘጋጠመሉ ስፍራ፣ ጥቃ መዕርፎ ነፈርቲን ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን እዩ።

ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ፣ ሰላማዊያን ሰባትን ወትሃደራትን ከምዝኾኑ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ቀ/ሚ ሶማል መሓመድ ሑሴይን ሮብለ ‘ባርባራዊ መጥቃዕቲ ሸባብ’ ክብሉ ነቲ መጥቓዕቲ ኮኒኖምዎ።

XS
SM
MD
LG