ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሞቃዲሾ ብዝተፈጸመ መጥቕዕቲ ነታጒ 9 ሰባት ሞይቶም


ፖሊስ ሶማል ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ንዝርከቡ ኣብያተ ፅሕፈት ዒላማ ዝገበረ ሎሚ ሶሉስ ዝተፈጸመ ርእሰቕትለታዊ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱ ገሊፁ።

ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ነታጊ ዝፅዓነት መኪና ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዋርታ ናባዳ ዝተባህለ ክፋል ከተማ ሞቓድሾ ብምእታው ኣብ እዋን ምክፍፋል ናይ ሮመዳን መግቢ ከምዝተተኮሰት ሓቢሮም።

ፖሊስ በቲ መጥቓዕቲ እንተወሓደ ትሽዓተ ሰባት ምቑሳሎም ክገልፅ ከሎ መሰኻኽር ግን በዝሒ ዝቖሰሉ 30 እዮም ይብሉ።

ዒላማ መጥቓዕቲ ዝኾነ ህንፃ ኣብ ጥቓ ፕረዚደንታዊ ቤተ መንግስቲ ከምዝርከብ ተፈሊጡ’ሎ።ኣል-ሸባብ ሓላፍነት’ቲ መጥቓዕቲ ወሲዱ’ሎ።

XS
SM
MD
LG