ኣብ ዋና ከተማ ሶማል ሞቓዲሾ ትማሊ ሶኑይ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝወስድ መገዲ ኣካላት ፀጥታ ሒዛ ትጉዓዝ ንዝነበረት ናይ መንግስቲ መኪና ዕላማ ዝገበረ ኣብ መኪና ብዝተፃወደ ነታጒ ብዝተፈፀመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፡ ብውሑዱ 10 ሰባት ምማቶምን ትሸዓተ ምቁሳሎምን ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ መሰኻኽር ዓይንን ሰበስልጣናትን ተዛሪቦም።
ምኽትል ከንቲባ ሞቃድሾ ዓሊ ያሬ ዓሊ ብዘይ ተወሳኺ መብርሂ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ምትራፉን 10 ሰባት ከም ዝሞቱ ምርግጋጹን ብምግላፅ ዝርዝር ሓበሬታ ከስዕብ ምዃኑ ሓቢሩ`ሎ።
ንመንግስቲ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝበልዎ እታ ትጉዓዝ ዝነበረት መኪና ብናይ ውልቀ ትካል ፀጥታ እትውነን ምዃናን ንመን ከምዝፀዓነትን ግን ኣብቲ እዋን ዝተፈልጠ ነገር ከምዘይነበረ ይገልፁ ። ጎኒን ንጎኒ ትሓልፍ ዝነበረት መኪና ሕቡራት ሃገራት ምንባራን ምናልባት ንዓዓ ዕላማ ዝገበረ ክከውን ከምዝኽእል ካልኦት አብቲ ኸባቢ ዝነበሩ መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ ።
በቲ መጥቃዕቲ ጉጅለ ምልሻ ኣልሸባብ ሓላፍነት ዝወሰደ ኮይኑ ንሰበስልጣናት መንግስቲ ሶማልን ሰበስልጣናት ደገን ዓጂቡ ይጉዓዝ ዝነበረ መኪና ዕላማ ዝገበረ ምንባሩ ገሊፁ`ሎ ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሞቃድሾ ነቲ መጥቃዕቲ ኣትሪሩ ዝኾነነ ኮይኑ ነቶም በዚ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ግዳያት ዝኾኑን ስድረኦምን ፅንዓት ንምነ ክብል አብ ትዊተሩ ፅሒፉ ።
ኣመሪካ ትማሊ ሰሉስ መራሕቲ ሶማል ሃራዊ ምርጫ ከካይዱ ምጽውዓ ይዝከር።