ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሞቃዲሾ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጒ 12 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ዋና ከተማ ሶማል ሞቃዲሾ ሎሚ ሓሙስ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ነታጒ ብምትኳሱ 12 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት 20 ምሟቶም ተገሊጹ።

ፖሊስ ከተማ ሞቃዲሾ ዝኾኑ ካፕቴን መሓመድ ሑሴን እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ዋብሪ ምምሕዳር ዝርከብ ቤት መግቢ ዘጋጠመ ምኳኑ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሮም ኣለው።

ኣብ ከተማ ሞቃዲሾ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጒ 12 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:49 0:00

ድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ሶማል ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር በቲ መጥቓዕቲ እቲ ቤት መግቢን ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ህንጻ ምዕናው ገሊጾም።

ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ አካል የለን እንተኾነ እቲ መጥቓዕቲ ምስቲ ኣቐዲሙ ብጥሩፍ ጉጅለ ኣል ሸባብ ኣብታ ከተማ ዝካየዱ ዝነበሩ መጥቓዕቲታት ዝመሰሳል ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG