ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ማይካድራ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብውሑዱ 600 ሰባት ምሟቶም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ


ኣብ ከተማ ማይካድራ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ብውሑዱ 600 ሰባት ከምዝትቐተሉ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ሎሚ ሶሉስ ኣብ ዘውፅኦ ሪፖርት ናብቲ ከባቢ መርማሪ ጉጅለ ብምልኣኽ ዘስካሕክሕ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰል ምፍፃሙ ኣረጋጊፀ ኣለኹ ይብል።

ሪፖርት'ቲ ኮሚሽን እቲ መጥቓዕቲ ሚሊሺያታት ክልል ትግራይ ዘተሓባበሩዎን ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ናይቲ ወረዳ ምምሕዳርን መሓውር ፀጥታን ‘’ሳምሪ’’ ብዝተባህለ ዘይስሩዕ ጉጅለ መናእሰይን እዩ ተፈጺሙ ይብል።

መራሒ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባት ዝፍፀመ ዝኾነ ይኹን ግፍዒ ክኹነን ኣለዎ ብምባል፣ኣብ ማይ ካድራ ዝተፈፀመ ቕትለት እውን ንኹንኖ ኢሎም።እቲ ቕትለት ብነፃ ወገን ተፃሪዩ ፈፀምቱ ናብ ሕጊ ይቕረቡ ምባሎም ይዝከር።

ብኻልእ ወገን ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዘካይዱዎ ዘለው ኵናት ምስቲ ኵናት ርክብ ዘይብሎም ሰላማዊያን ዜጋታት ድሕንነቶም ክሕልው ኣተሓሳሲቡ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብቲ ከባቢ ኣትዮም ክሕግዙ ኩነታት ከመዓራርይ'ውን'ቲ ትካል ጸዊዑ'ሎ።

XS
SM
MD
LG