ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ድሮን ምፍጻሙ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ


ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ናብ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውገሐ ፍርቂ ለይቲ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ደብዳብ ከምዝተኻየደ ሰበ ስልጣን ሓይልታት ትግራይን ሆስፒታላት'ቲ ክልል ብምጥቃስ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

እቲ ደብዳብ ዝተፈጸመ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ፌደራላዊ መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን ንኣዋርሕ ተቛሪጹ ዝነበረ ኲናት ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ'ዩ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝዘርገሖ ትዊተር "ኣብ መቐለ፣ ለይቲ መጥቓዕቲ ድሮን ተፈጺሙ ኣሎ። ወትሃደራዊ ዒላማ ዘይብሉ ስፍራ እዩ ተደብዲቡ" ከምዝበለ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር ዶ/ር ክብሮም ገብረስላሴ ብወገኑ ‘’ኣስታት ፍርቂ ለይቲ፣ ኣብ ጥቃ’ቲ ሆስፒታል መጥቃዕቲ ድሮን ተፈጺሙ ኣሎ’ ክብል መረጋገጺ ሂቡ።

ንሱ ወሲኹ ‘ዝተጎድኡ ሰባት፣ ናብ ሆስፒታል ከምዝመጹ’ ሓቢሩ። በዝሖም ግና ኣይጠቀሰን።

ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሃቢ ቃል ሰራዊትን ዝምልከቶም ሰበ ስልጣንን፣ ግብረ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።ይኹን ደኣ እምበር ሎሚ ረቡዕ ዝወጸ መግለጺ መንግስቲ ሓይልታት ትግራይ ምስ ሱዳን ኣብ ዘዳወብ ምዕራባዊ ክፋል'ታ ሃገር መጥቓዕቲ ፈጺሞም ክብል ይኸስስ።

XS
SM
MD
LG