ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ መቐለ አካል ይህነጽ ዘሎ 65ኪ.ሜ. ጽርግያ ዝኾነ 12.5ኪ.ሜ ተዛዚሙ: ተመሪቑ


ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመረ 65 ኪሎሜትር ናይ ከተማ ፅርግያ ይህንፅ ኣሎ:: ብ3.7 ቢልዮን ብር ይህነፅ ዘሎ እዚ መንገዲ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ክዛዘም እዩ:: አካል'ዚ መንገዲ ዝኾነ እቲ 12.5 ኪሎ ሜትሮ መገዲ ኣስፋልት ድማ ሎሚ ተመሪቑ::

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ሽፋን መንገዲ ኣስፋልት እታ ከተማ ንምዕባይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 21 ኪሎሜትር መንገዲ ኣስፋልት ክሃንጽ ጀሚሩ:: ሎሚ ዓመት ድማ 44.5 ኪሎሜትር መንገዲ ኣስፋልት ክሃንጽ ጀሚሩ::

ብሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ዝተሃነፀ ኣካል እቲ ፕሮጀክት ዝኾነ 12.5 ኪሎሜትር መንገዲ ኣስፋልት መሪቖም ዝኸፈቱ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብፅሬት: ቅልጣፈን ዝሓሸ ዋጋን ተፈፂሙ ኢሎም::

እቶም ይህነፁ ዘለዉ መንገድታት ነታ ከተማ ብዙሓት መማረፂ መንገድታት ክህልዉዋ ዝገብሩ እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን በዚ ድማ ዓበይቲ ከተማታት ክህልወን ዝግባእ መንገዲታት መቐለ ትውንን ኣላ ኢሎም:: ስራሕ መንገዲ ኣስፋልት መቐለ ንቀፃሊ ዕብየት እታ ከተማ መሰረት ዘንብር እዩ ድማ ኢሎም ::

ዶክተር ደብረፅዮን እቲ መንገዲ ኣስፋልት ፍርያት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኢዩ ክብሉ ድማ ተዛሪቦም። እቲ ሎሚ ዝተመረቐ 12.5 ኪሎ ሜትር መንገዲ 4.5 ኪሎ ሜትሮ ካብ መወዳእታ ታክሲ 18 ክሳብ ደብሪ ድንጉር፣ 1.8 ኪሎሜትር ካብ ዕዳጋ ብዕራይ ክሳብ መንደር ዳያስፖራ፣ 3.5 ኪሎ ሜትሮ ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐል ቐፅሪ ዓዲ ሓቂ ክሳብ ኢንዳስትሪ ፓርክ፣ 2.6 ኪሎሜትር ድማ ካብ ጎደና ዘስላሰ ክሳብ ቀበሌ 06 ዝሸፈነ እዩ።

ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኢንጅነር ኣርኣያ ግርማይ እቲ ሎሚ መዓልቲ ንምምራቕ በቒዑ ዘሎ መንገዲ ኣስፋልት ሓዊሱ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመሩ 65 ኪሎ ሜትር መንገድታት ኣብታ ከተማ ይህነፅ ከምዘሎ እዚ ድማ 3.7 ቢሊዮን ብር በጀት ከምዝወስድ ገሊፆም:: ዝተመረቑን ኣብ ህንፀት ዝርከቡ መንገዲታትን ናብ ከተማ መቐለ ንዝኣትዋ ገጠር ከባብታት ዘራኽብ ከምዝኾነ እውን እዮም ተዛሪቦም።

እታ ከተማ ካልእ ብመንግስቲ ፌደራል ይስርሑ ዘለው 37 ኪሎሜትር መንገዲ ኣስፋልት እውን ስራሕቶም ይዛዘም ምህላው ኢንጂነር ኣርኣያ ተዛሪቦም:: እዞም መንገድታት ህንፀቶም ምስተዛዘሙ ሽፋን መንገዲ ኣስፋልት ከተማ መቐለ ብሰለስተ ዕፅፊ ከዕብዮ እዩ ኢሎም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

XS
SM
MD
LG