መቐለ —
ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይ ዝተሳተፍሉ ወፍሪ ፅርየት: "ፅርይቲ ከተማ ምውናን" ዝብል መሪሕ ጭርሖ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ወፍሪ ፅርየት ዝተረኸቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ከምዝበልዎ እቲ ወፍሪ ፅርየት ውልቀን ከባቢን ብምሕላው ጥዕንኡ ዝሓለወ ሕብረተሰብ ንምውናን ዝዓለመ እዩ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዕለት 1 ኩሉ ግዜ ኣብ ኩለን ከተማታት ወፍሪ ፅርየት ክካየድ ከምዝተወሰነ ገሊጾም።
ፅርየት ባህሊ ክኸውን ንምግባር ፃዕሪ ክግበር እዩ ዝበሉ ድማ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ እዮም።
ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኢንጅነር ኣርኣያ ግርማይ ብወገኖም፥ መቐለ ምዕርግትን ንነበርታ ምችውትን ንክትከውን ሕብረተሰብ በብከባቢኡ 20 ሜትሮ “ሬዲያስ” ከፅሪ ኣለዎ ኢሎም።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ወፍሪ ፅርየት ኣባላት ካቢኔ መንግስቲ ትግራይ ተሳቲፎም ኔሮም።