መቐለ —
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝኻየድ ፆታዊ መጥቃዕቲ ንምቅዋም ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ተተሊሙ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ምምሕዳር’ታ ከተማ ምክልካሉ ኣተሓባበርቲ እቲ ሰልፊ ይገልጹ::
ንሶም ብተወሳኺ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ድልው ከምዘይኮነ ዘርኢ እዩ ይብሉ::
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብወገኑ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሓላፍነት ዝወስድ ትካል ክህሉ ኣለዎ ኢና ዝበልና እምበር ኣይከልከልናን ኢሉ::