ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ መቐለ ነባሪ ሰላም ንምስፋን ጠመተ ዝገበረ ሃገራዊ ኮንፈረስ ተኻይዱ


ነባሪ ሰላም ንምስፋን ኣብ ዝተኻየደ እዚ ሃገርለኸ ኮንፈረንስ ኣባላት ተቓዋሚ ውድባት: ምሁራን: መራሕቲ ሃይማኖት: ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተሳቲፎም እዮም:: ሚኒስትር ዴኤታ ሚንስትር ሰላም ወይዘሮ ኣልማዝ መኮነን: ከምዚ ዓይነት መድረኽ ምድላው ነባሪ ሰላም ንምስፋን ግደ ኣለዎ ኢለን:: ነባሪ ሰላም ብሓደ ግዜ ኣይመፅእን ዝበላ እተን ሚኒስቴር ዴኤታ ምጅማር ዝግበአና ግና ሐዚ እዩ ኢለን:: ኣብቲ ኮንፍረንስ ነባሪ ሰላም ከምፅኡ ይኽእሉ እዮም ዝተባህለሎም መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቦም እዮም::


ኣቦ መንበር ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ ኢዜማ ኣይተ የሺዋስ ኣሰፋ ኣብ ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም ንምርግጋገፅ ዴሞክራሲ ብምስፋን ህዝቢ ብዝደልዮ መንግስቲ ክምራሕ ከሎ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም:: ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ሕጊ ኣይተ የማነ ካሳ ብወገኖም ኣብ ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም ዘረጋግጽ ሓያል መንግስቲ ምስ ዝህነጽ እዩ ኢሎም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG