ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም


ኣብ መቐለ ሎሚ ዓርቢ ደብዳብ ነፋሪት ከምዝተፈጸመን ብውሑድ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ከምዝቆሰሉን ተፈሊጡ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ወትሃደራዊን መደብራት ታዕሊምን ከምዝሃርም ዝገለጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነበርቲ፣ ካብ’ዞም ዝተጠቀሱ ስፍራታት ክርሕቑ ኣጠንቂቑ።

እቲ ደብዳብ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከብ ታሪኻዊ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ሰሜናዊ ኣንፈት ኣብ ዝርከቡ መፃወቲ ህፃናትን መንበሪ ኣባይትን ከምዝተፈፀመ ተሓቢሩ'ሎ።

እቲ ደብዳብ ሎሚ ዓርቢ ከባቢ ሰዓት 6:30 እዩ ተፈጺሙ።

በቲ ደብዳብ እዚ ፀብፃብ ክሳብ ዝተዳለወሉ ጊዜ ህይወት ኣርባዕተ ሰላማዊ ሰባት ከምዝሓለፈ ካብ ሪፌራል ሆስፒታል ዓይደር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።

ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ንድምፂ ኣመሪካ ከምዝገለፅዎ ካብ ዝተቐተሉ ኣርባዕተ ሰባት እቶም ክልተ ህፃናት ምዃኖም ሓቢሮም ኣለው።

ካልኦት ትሻዓተ ሰባት ቆሲሎም ይሕከሙ ኣለዉ ዝበሉ ዶክተር ክብሮም፥ እቲ ሆስፒታል ልዑል ሕፅረት ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ኣብዘለዎ እዋን እዩ ነዚኦም ብዝከኣሎ ይሕክም ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ደብዳብ ዝተፈፀመሉ ሬስ ኪድስ ፓራዳይስ ናይ ዝተባህለ ማእከል መፃወቲ ህፃናት ኣካያዲ ስራሕ ኣይተ ተወልደ ከበደ ብወገኖም እቲ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ ህፃናት ዝውዕልሉ መፃወትን ቤት ትምህርትን እምበር ዝኾነ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ዘይብሉ ከባቢ እዮም ክብሉ ሓቢሮም።

ኣቐዲሙ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንወታሃደራዊ ዒላማታት ከምዝሃርም አኣፍሊጡ ኔሩ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንወታሃደራዊ መኻዚኖታትን ወታሃደራዊ ዒላማታት ከምዝሃርም ብምግላጽ ሰላማውያን ሰባት ካብዞም ዝተባህሉ ከባቢታት ክርሕቁ ጸዊዑ ምንባሩ ተገሊጹ'ሎ።

ሚንስትሪ ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ንትካል ዜና ፈረንሳ ዝሃቦ መግለጺ "ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንሰላማዊያን ሰባት ደብዲቡ ንዝብል ዝቀርብ ዘሎ ክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺግዎ ኣሎ።ህወሓት ንሞት ሰላማዊያን ሰባት የዋድድ ኣሎ፣ ሓይሊ ኣየር ንወትሃደራዊ መደብራት ጥራሕ ዒላማ ይገብር ኣሎ"ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲኹ ኣሸባሪ ዝብሎ ህወሓት፣ ሓይሊ ኣየር ንሰላማዊያን ሰባት ደብዲቡ መታን ክባሃል፣ ኣስከሬናት ኣብ መንበሪ ከባቢ ከምዘቀመጠ ይገልጽ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ መግለጺ ዝሃበ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ብወገኑ፣ ኣብ ልዕሊ ወትሃደራዊ ትሕዝቶ ዘይብሎም ከባቢታት ዝፍጸም ደብዳብ ማዕረ ገበን ኹናት እዩ ዝቁጸር ከምዝበለ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG