ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተኻየደ ደብዳብ ድሮን ሓደ ሰብ ምቕታሉ ሰብ-መዚ ሕክምና ገሊጾም


መቐለ
መቐለ

ሎሚ ዓርቢ 13 መስከረም 2015 (23 መስከረም 2022) ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ኣብ ከተማ መቐለ ዓዲ ሓውሲ ኣብ ዝበሃል መንበሪ ኣባይቲ ብዝተኻየደ ደብዳብ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ኣብ ከባቢ 60 ዓመታት ዝርከቡ ኣቦ ምቕታሎም ዳይረክተር ሪፌራል ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም። እቶም ዝተቐትሉ ኣቦ ከብቶም ክከታትሉ እንከለዉ ከም ዝተሃርሙ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

በቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይትን መሰረተ ልምዓት ሓይሊ መብራህቲ እቲ ከባቢን እውን ጉድኣት ኣብፂሑ ክብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ፀብፂቡ።

ሮይተርስ ካብ ወሃብ-ቃል ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነን ሚኒስተር መራኸቢታት'ታ ሃገር ዶ/ር ለገሰ ቱሉን ግብረ መልሲ ንምሃብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተኻየደ ደብዳብ ድሮን 10 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG