ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሊማ ፔሩ 5.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ምግጣሙ ተገሊጹ


ኣብ ማእኸላይ ገማግም ማይ ፔሩ 5.8 ሬክተር ዝተዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ትማሊ ሶሉስ ምሸት ኣጋጢሙ።

ሰበስልጣን ፔሩ እቲ ርዕደ መሬት ኣብ ዋና ከተማ ሊማ ዝተሰምዐ ክኸውን ከሎ ዝወረደ ዓብይ ዕንወት የለን ኢሎም ።

ጂኦሎጂካል ሰርቨይ ኣሜሪካ ስሕበት ናይቲ ምንቅጥትቃጥ መሬት ኣብ ጥቓ ማላ ክፍለ ግዝኣት ሳንተ ከምዝኾነ ገሊፁ ኣሎ።

እቲ ምንቅጥቃጥ ሰባት ካብ ገዛውቶም ክወፁ ከምዘገደዶም ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG