ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማታት ጂግጂጋን ጌዶን ዝሓሸ ምርግጋእ ኣሎ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚ/ምክልኻል ኣፍሊጦም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሊያ ከተማ ጂግጂጋን ጌዶን ካብ ትማሊ ብዝሓሸ ምርግጋእ ኣሎ፤ረድኤት ናይ ምሃብ ስራሕ ተጀሚሩ’ሎ።ኣብ ቀብሪ ድሃርን ደገሃቡርን ኸአ ገና ረድኤት ኣይበፅሐን ዘሎ ግን ነበርቲ ክልል ሶማሌ ንተመዛበልቲ ዘለዎ የከፋፍል ኣሎ ናይ ምርግጋእ ስራሕ እውን ይካየድ ኣሎ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ገሊፆም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብሰንኪ ኣብ ክልል ኢትዮጵያ ሶማሌ ዝተፈጥረ ህውከት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ናብ ከተማ ሃረር ከምዝተሰደዱ ሰበስልጣን እቲ ክልል ገሊፆም።

ኣብ ጁቡቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ድሕሪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ዝተፈጥረ ክውከት ንዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት መጥቓዕቲ ተፈፂሙና ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

XS
SM
MD
LG