ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከብዱ ልዕሊ ሓደ ኪሎ ሓሺሽ ዝሓዘ ኣሰጋጋሪ ኣብ ኢንዶነዥያ ተታሒዙ


ኢንዶነዥያ -ፋይል
ኢንዶነዥያ -ፋይል

ፖሊስ ኢንዶነዥያ ናብታ ሃገር ሓሺሽ ንምእታው ዝፈተኑ ኣርባዕተ ዜጋታት ወጻኢ ከም ዝሓዙ ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ’ቶም ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ጃካርታ በቲ ስርሒት ዝተታሕዙ ኣሰጋገርቲ ኣብ ከብዱ ኣስታት ሓደ ኪሎ ግራም ወይ ድማ 2.2 ፓውንድ ሜታምፈታሚን (methamphetamine) ዝተባህለ ሓሽሽ ዘጽንሐ ናይጀሪያዊ ከም ዝርከቦም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።

እቲ ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሱ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ጃካርታ ዝተታሕዘ ዜጋ ናይጀሪያ፡ 64 ካብሱል (ለቖታ መድሃኒት) ብምውሓጥ ነቲ ሓሺሽ ኣብ ከብዱ ገይሩዎ’ዩ ናብታ ሃገር ኣትዩ። ብዘርእዮ ዝነበረ ዘይንቡር ምንቅስቓስ ተጠርጢሩ፡ ድሕሪ ናይ X-ray መርመራ፡ እቲ ኣስታት 1.07 ኪሎ-ግራም (ወይ ድማ 2.3 ፓውንድ) ዝኽብደቱ ሓሺሽ ኣብ ከብዱ ሓቢኡዎ ምጽናሑ ድማ ዳሕራይ ተፈሊጡ። ፖሊስ ኣብቲ ሰለስተ መዓልታት ዝወሰደ መስርሕ ንዅሉ እቲ ኣብ ከብዲ ዝነበረ ሓሺሽ ከውጽኡዎ ከም ዝኸኣሉ እቲ ዜና ይሕብር።

እቶም ኣብ ካልእ በረራትት ዝተታሕዙ ጥርጡራት ድማ ሓደ ብራዚላዊን ካልኦት ክልተ ናይጀራዊያንን ይርከቡዎ።

ምልክልኻል ሓሺሽ ኢንዶነዥያ እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተታሕዙ ኣሰጋገርቲ፡ ሓደ መርበብ ናይ ዝዓበየ ኣካል ምዃኖም ይጠቅስ።

ትካል ምቍጽጻር ሓሺሽን ገበናትን ሕቡራት ሃገራት፡ ኢንዶነዥያ ካብተን ቀንዲ ማእከላት መዋፈርቲ ሓሺሽ ምዃና የመልክት። ካብ 270 ሚልዮን ዜጋታት እታ ሃገር፡ 5.6 ሚልዮን ተጠቀምቲ ሓሺሽ ምዃኖም ድማ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ንምንጭታት ሕቡራት ሃገራት ብምንጥቃስ ሓቢሩ።

ኢንዶነዥያ ክሳብ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝኸይድ ኣዝዩ ተሪር ጸረ-ሓሽሽ ሕግታት ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG