ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከባቢ ሸረ ዝነበራ መካይን ሰራዊት ምክልኻል ብመንእሰያት እቲ ከባቢ ከይወጻ ምክልካለን ተገሊጹ


ትማሊ ኣብ ከባቢ ሸረ ዝነበራ መካይን ምክልኻል ሰራዊት ብመንእሰያት እቲ ከባቢ ከይወፃ ብምክልኻል ኣብ ስታዲዮም ስሑል ሸረ ከምዘሕደሩወን እውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሎሚ ንጉሆ ብዝተገብረ ልዝብ ኣብ ስታዲዮም ዝሓደራ መኻይን ምርድዳእ ክሳብ ዝብፃሕ ናብ ዝነበርኦ ካምፕ ክኣትዋ ከምዝተገደዳ ሓላፊ ርክብ ህዝብን መንግስትን ወጊድ ታሕታይ ቆራሮ ኣቶ ኪሮስ ለገሰ ገሊፆም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ምንቅስቃስ ሰራዊት ምክልኻል ምትዕንቃፍ ቅኑዕ ኣይኮነን ክብሉ ምክትል ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ትማሊ አማስይኡ ንእዋናዊ ኩነታት አመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። ነቲ ኣብ ክልልትግራይ ትማልን ቅድሚኡን ንምንቅስቃስ ሰራዊት ንምትዕንቃፍ ዝተራእየ ኣካይዳ’ዉን ኾኒኖም።

ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብቲ መግለጺኦም እዚ ዓይነት ስጉምቲ ንሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝከፋፍልን ንክብሪ ሰራዊት ምክልካል ዝጥሕስን ብምኳኑ እዚ ፍጻሜ ግጉይ ስጉምቲ እዩ’ውን ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ እዚ እንተዘኮይኒ ግን ዘይተደልየ ሳዕቤን’ዩ ዘለዎ ድሕሪ ምባል ተሓባቢርና ክንሰርሕ አለና’ውን ኢሎም።

ናይ ልምዓትን ሰናይ ምሕደራን ካልኦት ፀገማትና ክንፈትሕ እንተኾና ሰላም’ዩ ዘድልየና ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብነት ዝበልዎዉን ጠቂሶምም።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ’ዉን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ምስ መማህራን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ነዚ ኣብ ክልል ትግራይ ምክልኻል ሰራዊት ከይንቀሳቀስ ህዝቢ አጊዱ ዝብል አመልኪቱ ንዝቀረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ሰራዊት ምክልኻል አበይ ክሰፍር አለዎ ንምንታይ ዕላማ ክሰፈር አለዎ መዓስ ክሰፍር አለዎ ንዝብል ዝውስን ኣካል ኣሎ’ዩ፡ ምስ ዝኾነ ነገር ምትእስሳር የብሉን ድሕሪ ምባል ንጉዕዞ ምክልኻል ሓይሊ ምትዕንቃፍ ግን ጌጋ’ዩ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣምቦን ቦረናን ብመንእሰያት ደው ክብል ኣብ ዝተኸልከለሉ እዋን ንክሓልፍ ነቶም መንእሰያት ረጉፁ ከምዝሓለፈ ብምጥቃስ እዚ ክድገም የብሉን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG