ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ከባቢ መቐለ ዝነበረ ተወንጫፊ ሮኬታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ተደብዲቡ' ቀ/ሚ ኣብይ


ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መቐለን ከባቢኡን ዝፈጸሞ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝነበሩ ሮኬታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ምሉእ ንምሉእ ምዕናው ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።


ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሮኬታት ክሳብ 300 ኪሎ ሜትሮ ክውንጨፉ ዝክእሉ ምንባሮም'ውን ተሓቢሩ'ሎ።


እቲ ትማሊን ሎሚ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝቅጽል ዝሓበሩ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ እቲ መጥቓዕቲ መዓስ ደው ከምዝብል: "ጽፍሪ ዝነቀሉ: ሰብ ዝቐተሉ: ሃብቲ ዝዘረፉ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ምስ ቐረቡ ሽዑ ደው ክብል'ዩ" ክብሉ ገሊጾም።

ብዛዕባ እቶም ናይ ልዝብን ዕርቂ ሓሳብን ዘልዕሉ ወገናት ተሓቲቶም ክምልሱ ከለው ነቲ ሓሳብ ከምዘይቅበልዎ'ውን ሓቢሮም ኣለው።

እቲ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ደው ዝብል ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ከለው ጥራይ'ዮም ኢሎም።

ቀ/ሚ ኣብይ ቀጺሎም ሰላማዊያን ሰባት ካብቲ መጥቓዕቲ ዝካየደሉ ቦታ ክርሕቑ'ውን ኣተሓሳሲቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG