ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከባቢታት ምብራቕ ደንብያን ጭልጋን ዝተላዕለ ኣብ መንነት ዘተኾረ ግጭት ምቕጻሉ ነበርቲ ገሊጾም


ጎንደር ከተማ
ጎንደር ከተማ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ምብራቕ ደንብያ ጭልጋን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዝተላዕለ ኣብ መንነት ዝጠመተ ግጭት ሎሚ እውን ከምዝቐፀለ ነበርቲ ገሊፆም።በቲ ግጭት ህይወት ሰብ ምጥፍኡን ልዕሊ 45,000 ሰባት ከምዝተመዛበሉን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ገሊፁ።

ኣብ መንነት ዘተኮሩ ግጭትታ ብምፍጣሮም ህይወት ሰብ ጠፊኡ፣ብኣሽሓት ዝቑፀረ ኣባይቲ ነዲዶም።ካብ ዞባታት ምዕራብን ማእኸላይን ጎንደር ልዕሊ 45,000 ዜጋታት ተመዛቢሎም ኣለው።እቲ ግጭት ሎሚ እውን ደው ከምዘይበለ ካብ ወገን ኣምሓራን ቅማንትን ዝኾኑ ነበርቲ እቲ ከባቢታት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም ኣለው።

እዞም ነበርቲ ብተወሳኺ ህዝቢ መንበሪኡ እናገደፈ ከምዝተመዛበለን ብዙሕ ሰብ ከምዝሞተን ከምዝቖሰለን ገሊፆም።

ካብ ወገን ኣምሓራ ዝኾኑ ነባሪ ጭልጋ ኣቶ ምስጋናው ከምዚ ኢሎም።

“ቀዳማይ እዚ ኹሉ ዝፍፅሙ ዘለው ዝፍለጡ ሰባት እዮም።ካልኣይ ድማ መንነቶም ዘይንፈልጦም ሰባት እዮም ዝጭፍጭፉና ዘለው።”

ካብ ወገን ቅማንት ዝኾኑ ነባሪ ከተማ ጭልጋ ኣቶ ማስረሻ ኣለሙ ብወገኖም ሽግር ይፈጥሩ ዘለው ናይቲ መንግስቲ መሪሕነት እዮም ይብሉ።ሕገ መንግስታዊ መሰልና ተጠቒምና ዝሓተትናዮ ኣይመለሱን ኢሎም።

“ናይቲ ግጭት መንቀሊ ሰበስልጣን መንግስቲ ናይቲ ክልል እዮም።ቅማንትን ኣምሓራን ፀገም የብሉን።ኣቦይ ቅማንት፣ኣደይ ድማ ኣምሓረተይቲ እያ።ኣይተፃላእናን።ዘይተመራዐወን ዘይተዋለደን የለን።ናይ ቅማንት ኮሚቴ ዝብሃል እናተባረረ ስለዝኾነ ዝበዝሕ ፈቐዶ በረኻ እዩ ሰፊሩ ዘሎ።”

ሓደ ካብ ኣባላት ኮሚቴ ቅማንት ኣቶ ሙሉጌታ እሸቱ ሕቶ ናይ ሰለስተ ናይ ገጠር ቀበሌታት ብሕጋዊ ኣገባብ ምላሽ እንተድኣ ዘይረኺቡ እቲ ከባቢ ክረጋጋእ ኣይክእልን ይብሉ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህንፀት ሰላምን ደሕንነትን ክልል ኣምሓራ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ፅጌ ኣብ ቀረባ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣባላት ሕቶ መንነት ቅማንት ዘቕርቡወን ሰለስተ ቀበሌታት ህውሓት ወታደራዊ ስልጠና ክህበለን ዝፀንሓ ምዃነን ንፈልጥ ኢና ኢሎም።

ካብ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መልሲ ንምርካብ ዝገበርኩዎ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይተዓወተን ክትብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ባህርዳር ሓቢራ’ላ።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኔሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣሰማሀኝ ኣስረስ ኣብ ቀረባ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ነቲ ግጭት ዘጎሃህሩዎ ዘለው ነቲ ማሕበረሰብ ከም ጫካ ብምጥቓም ኣብ ውሽጢ እቲ ህዝቢ ዝንቀሳቐሱ ገበነኛታት እዮም ኢሎም።

እቲ ሽግር ሱር እናሰደደ ብምምፅኡ ፌደራል መንግስቲ ጣልቃ ክኣት ጻውዒት ምቕራቡ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG