ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከባቢታት መቐለ: ውቕሮን ዕዳጋ ሓሙስን ኣገልግሎት ቴሌፎን ኣብ ከተማ መቐለ ድማ ኢንተርነት ምጅማሩ ተገሊጹ


ኣብ ክልል ትግራይ ከባቢታት መቐለ፣ውቕሮን ዕዳጋ ሓሙስን ናይ ስልኪ፣ኣብ ከተማ መቐለ ድማ ኣገልግሎታት ኢንቴርኔት ዳግም ምጅማሩ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍረህይወት ታምሩ ሎሚ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ'የን ነዚ ሓቢረን።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም "ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ሞባይል ድምፂ ከምኡ እውን ናይ ብሮድባንድ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ኢና ንርከብ።ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ዝነብሮ ናይ ምምላስ ስራሕ ኣይወዳእናን። ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ኣቑሑት ጉድኣት ወሪዱ እዩ። ዝጠፍኡ ኣቑሑት እውን ኣለው" ኢለን።

ወይዘሪት ፍረህይወት ታምሩ ወሲኸን ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዝተኻየደ ኵናት ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዝወረደ ጉድኣት ብምፅጋን ኣገልግሎታት ንምሃብ ፃዕርታት ከምዝቐፀሉ ወሲኸን ገሊፀን።

ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ከባቢታት ቄለም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ቴሌኮም ከምዝጀመረ'ውን ወይዘሪት ፍረህይወት ሓቢረን ኣለዋ።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብዘጋጠመ ፀገም ሰላም እቲ ትካል ክሰርሖም ካብ ዝሓዞ ትልሚ 95 ሚእታዊት ምዕዋቱ ወሲኸን ሓቢረን።

XS
SM
MD
LG