ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኦሮምያ ዞባ ሆሮ ጉድሮ ዕጡቓት ብምድጋፍ ተጠርጢሮም ዝትኣስሩ ሰባት ንሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ፍርዲ ከምዘይቐረቡ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወረዳ ኣሙሩ፡ ንዕጡቓት ብምድጋፍ ተጠርጢሮም ዝተኣስሩ ሰባት ንዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ፍርዲ ከምዘይቀረቡ ኣባላት ቤተሰቦም ገሊጾም።

ምኽትል ኣዛዚ ፖሊስ`ቲ ወረዳ ሳጅን ወልተጂ ነሞምሳ፡ ካብ መንጎ`ቶም ዝተጠርጠሩ ልዕሊ 30 ሰባት ናጻ ለቒቕና ኢና፡ ብዛዕባ`ቶም ዘይተፈትሑ ድማ መረዳእታ ኣኪብና ኣይወዳእናን ክብል ምላሽ ሂቡ።

እቲ ምኽትል ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ኣብቲ ወረዳ ዝተኣስራ ክልተ ደቀንስትዮ ሰብኣዊ በደል ከምዝተፈጸመን ንዝተሰምዐ ቅሬታ ድማ ፍጹም ሓሶት`ዩ ዝብል ምላሽ ሂቡ`ሎ።

ብዛዕባ`ዚ ካብ መንግስቲ 'ሸኔ ' ክብል ዝጽውዖ ንባዕሉ ድማ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ዕጡቕ ጉጅለ ዝተዋህበ ርእይቶ የለን።

XS
SM
MD
LG