ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስመራ፡ ኣብ እግሪ ህንጻ ፊያት-ታሌሮ ዝተገብረ ባህላዊ ምርኢት


ዝናር ስነ-ጥበብ ዞባ ማእከል ብ5 ሚያዚያ 2019 ኣብ እግሪ ፊያት ታሌሮ ንህዝቢ ባህላዊ ምርኢት ኣቕሪባ።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ብባህላዊ መሳርሒታት ሙዚቃ ተሰንዩ ኣብ ፊት ህንጻ ፊያት ታሌሮ ዝቐረበ ባህላዊ ምርኢት፡ባህላዊ መሳርሒታት ሙዚቃ ንምዕቃብን ብሓፈሽ ባህሊ ንምውርራስን ከምዝኾነ ተሓቢሩ።



ማዕሪኡ ከኣ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዝኣተዋ ህንጻታት ከተማ ኣስመራ ጽባቒኤን ብምጉላሕ ንምዕቃበን ቆላሕታ ንምሃብ ከምዝኾነ ኣብ ክፍሊ ባህሊ ዞባ ማእከል ዳይረክተር ያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን ገዲም ስነ ጥበባዊ በረቕ ገ/ሂወት ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG