ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝጠመተ ዘተ ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ተኻይዱ


ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝጠመተ መድረኽ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ነባር ኣመራርሓ፣ ፍሉጣት ሰባት፣ ካብ 15 ተቓወምቲ ውድባት ዝተወከሉ ኣመራርሓ እተን ወድባትን ካልኦት ዕዱማትን ተሳተፍቲ ኮይኖም እዮም።

ብዩኒቨርስቲ መቐለ ተዳልዩ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖምያዊን ዓውድታት ኣመዝጊባቶም ዝበሃሉ ለውጥታትን የጋጥሙዎ ከምዘለዉ ዝግለጹ ዕንቅፋትን ተዘትይሎም እዩ።

ብፍላይ ኣብዛ ሃገር ንዝተርኣየ ዘይምርግጋዕ መበገሲ እዮም ኢሎም ነባር ኣመራርሓ ኢህወደግ ኣይተ በረከት ስምኦምን ዘቅረብዎም 5 ነጥብታት መዘራረቢ ኮይኖም እዮም። .

ኣብዛ ሃገር ልዕልነት ሕጊን ዘተኣማምን ሰላም ክሰፍን ዘይምግባሩ: ፅንፈኛ ብሄርተኝነት ምስፈኑ፡ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ሕቶታት መናእሰይ ክምለስ ዘይምኻኣሉ;

ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት: ሓይልን ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ዘይምህላዉ ዝብሉ እዮም።

ነዚኦም ፀገማት ንምፍታሕ ፈለማ ብደረጃ ሃገር ሰፊሕን ዓሙቕ ዘተ ምክያድ የድሊ ኢሎም ኣይተ በረከት።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ነባር ኣመራርሓ ኢህወደግ ኣይተ ስብሐት ነጋ ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ዝብል ብዝልዓለ ደረጃ ከምዘሎ የብርሁ።

" ብዛዕባ ኢድ ኣታወነት ወፃኢ ኣብ ቤት ምኽሪ ኢህወደግ ይግለፅ ዝነበረ ኣሜሪካ ኣቦ መንበር ኣይትመርፀልናን ዝብል እዩ። ኣብ ከይዲ መረፃ ዶክተር ኣብዩ ንሳኻ ኣይተ በረከት እውን ተቓዊምካ ነይርካ ካልኦት እውን ካብ ህወሓት ዝተቓወሙ ነይሮም። ምኽንያቱ ከምኡ ይበሃል ዝነበረ እቶም ኣሜሪካውያን ኣቦ መንበር ከምርፁ ይጓየዩ ነይሮም። ስለዚ ኢድኣታወነት በዚ ደረጃ ይረአ ነይሩ" ክብሉ ተዛሪቦም።

ካብ ቤት ፅሕፈት ማእከላዊ ኮሚቴ ኦዴፓ ተወክሎም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኣይተ ቶሎሳ ዋቅጋሪ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፀገም በዚ ሐዚ ዘሎ ኣመራርሓ ዘይኮነስ ቅደሚ ሐዚ ብዝሰረቑን ሕጊ ዝጠሓሱ ኣከብቲ ክራይ ሕመቖም ንምሕባእ ይፍፅምዎ ዘለዉ እዩ ኢሎም።

ብዛዕባ ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣሎ ዝተብሃለ ድማ እንትገልፁ"ምትእትታው ኣሎ ዝበሃል ጌጋ እዩ። ኢትዮጵያ ፖሊሲ ርክብ ወፃኢ ኣለዋ። ምስ ዝማዕባለ ሃገራት ይኹን ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ትገብሮ ርክብ ናይ ባዕላ ረብሓን ልኡላውነትን ማእኸል ዝገበረ እዩ። ምትእትታው ኣሎ’ ይብሉ ዘለዉ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንትገብሮ ርክብ ዘይዋሓጠሎም ኣካለት እዮም እዚ ክስተኻኸል ይግባእ" ክብሉ ገሊፆም።

ኣብቲ ዘተ ነባራት ኣመራርሓ፣ ምሁራን፣ መራሕቲ ሃይሞኖት፣ ፍሉጣት ሰባት ካብ 15 ተቓወምቲ ወድባት ፖለቲካ ፓርቲ ተወከልቲ ተሳቲፎም እዮም።

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝጠመተ ዘተ ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:24 0:00

ተሳተፍቲ መድረኽ ከምዚ ዓይነት ሃገራዊ ዘተ ቐፃልነት ክህልዎ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት እውን ተመሳሳሊ ዘተ ብምክያድ ንዘሎ ፀገማት መፍትሒ ንምንዳይ ሓገዝቲ ክኾኑ ይግባእ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG