ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ እስራኤል: ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣይሁዳዊያንን ኣመንቲ እስልምናን ብዝተላዕለ ግጭት 31 ሰባት ቆሲሎም


ኣይሁዳዊያንን ኣመንቲ እስልምናን ቅዱስ ቦታ ኢሎም ኣብ ዝፅውዕዎ ናይ እዮሩሳሌም ቀፅሪ ሎሚ ዓርቢ ብዝተወልዐ ጎነጽ 31 ሰባት ምቑሳሎም ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ኣፍሊጡ።

ሰበስልጣን ፍልስጤማዊያን ኣብ ከባቢ መስጊድ ኣል-ኣቅሳ እምኒ ምድርባይ ምስ ጀመሩ ፖሊስ እስራኤል ናይ ጎማ ጥይትን መፈራርሒ ናይ ኢድ ቦምብን ቶኪሶም ይብሉ ።

እቲ ቦታ ንኣይሁዳዊያን ናይ መቅደስ ጎቦ ንኣመንቲ እስልምና ድማ ክቡር መቅደስ ብዝብል ይፍለጥ።

ኣይሁዳዊያን ኣብቲ ቦታ ንከይፅልዩ ዝተኸልከሉ እንተኾኑ እውን ኣብ ቀረባ ዓመታት እቲ ክለክላ ኣይተኸበረን።

ኣብዚ ዓመት ናይ ኣመንቲ እስልምና ጾም ረመዳን ምስ ናይ ኣይሁዳዊያን ፋሲካን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ናይ ኣመንቲ ክርስትና በዓላትን ብምግጣሙ ዝተፈላለዩ እምነት ዘለዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብቲ ቦታ ክኸዱ ኣገዲዱ እዩ።

ኣብ ቀረባ ኣብ እዮሩሳሌም ዝተርኣየ ዕግርግር ኣብ ዝሓለፉ 11 መዓልታት ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝተርኣየ ግጭት ከይቕፅል ስግኣት ኣሕዲሩ ይርከብ።

XS
SM
MD
LG