ዋሽንግተን —
ብመሰረት መግለጺ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ እቶም ሽዱሽተ ተወሰኽቲ ሰባት ናጻ ዝተባህሉ-ውጽኢት ናይ ሃገራዊ ላቦራቶሪ መርመርኦም ትማሊ ሰንበት ምስ ተፈልጠ`ዩ።
ሕጂ ኣብ ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተታሕዙ 39 ሰባት እቶም 19 ሓውዮም ናጻ ከምዝተባህሉ ጸብጻብ`ቲ ሚንስትሪ የመልክት- ኣብዚ ዳሕራዋይ መግለጺ ብዛዕባ ሞት ኣይተዛረበን- ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ ሓቢሩ ኔሩ`ዩ።