ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ  22 ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ተረኺቦም


ኣብ ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝካየድ ዘሎ መርመራታት ቫይረስ ኮሮና፡ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ከባቢታት ኦምሓጀር፡ ጎልጅ፡ ዓሊ-ጊድርን ግርማይካን ከምኡ’ውን ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከባቢ ዓሰብ ኣብ ዝርከቡ መወሽቢ ማእከላት ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራ፥ 22 ተወሰኽቲ ሰባት እቲ ቫይረስ ከምእተረኽቦም ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቶም 21 ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብ ሱዳን፥ እቲ 1 ድማ ካብ ጅቡቲ ዝተመልሰ ዜጋ ከምዝኾኑ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ ዛጊት ቁጽሪ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦም ሰባት 143 ዝበጽሐ ክኸውን ከሎ ፥39 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ`ዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ 19 ተዓጽየን ዝነበራ ንኣሽቱ ትካላት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ክኽፈታ ብምውሳን ናይ ምፍዃስ ስጉምቲ ወሲዱ’ሎ።ብመሰረት እቲ ናይ ምፍዃስ ስጉምቲ ፡ዝተፈላለዩ ናይ ሰንዓ ስርሓት ዝስረሓሉ መደበር (ብዘይካ መሽጢ መግብን መስተን)፡መባዝሒ መፋትሕ፡መሽጢ ኮንጎን ሸበጥን፡መስርሕን መሽጥን ፍርናሽ-ክርቢትን ሽምዓን፡መዓረይን መሽጥን መነጸር ዓይኒ፡ዓረብያ ፈረስን፡መሽጢ እንቃቕሖን ስጋን፡መፍረ ንህብን መሽጢ መዓርን፡መሽጢ ዘርኢ ፈልስን ካልእ ምስ ሕርሽ ዝተኣሳስር ትካላትን ከምኡ’ውን መስርሕን መሽጥን መጎጎ ኤሌክትሪክን ባህላዊ መጎጎን፡- ኣካላዊ ርሕቐትን ካልእ ናይ መከላኸሊ ኣገባባትን ብምሕላው ኣገልግሎት ክህባ ወሲኑ’ሎ።

ኩሉ ተገልጋልን ወነንቲ ትካላትን ቅድሚ ሕጂ ዝወጸን ብሕጂ ዝውጽእን መምርሒታት ሚንስትሪ ጥዕና ኣኽቢሩ ክንቅሳቐስ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ኮቪድ-19 ኣጥቢቑ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG