ኣብ ኤርትራ ሓሙሽተ ካብቶም ኣብ ሕክምና ተዓቍቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብዝተገብረሎም መርመራ ካብ’ቲ ሕማም ናጻ ኮይኖም ስለዝተረኽቡ ትማሊ 23 ሚያዝያ ናብ አባይቶም ከምዝተፋነዉ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ።
ምስ’ቶም ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብ’ቲ ሕማም ሓውዮም ዝተፋነዉ 6 ሰባት ብጠቕላላ ቁጽሪ ካብቲ ቫይረስ ዝሓወዩ 11 ምብጽሖም ሚንስትሪ ጥዕና ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሚንስትሪ ጥዕና ህዝቢ እዋናዊ ሓበሬታ ዝረኽበሉ ግዝያዊ ማእከል ሓበሬታ ከፊቱ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።
ምስ ምምጻእ ሕማም ኮሮና ቫይረስ እዋናዊ ሓበሬታ ንምሃብን ሕቶ ህዝቢ ንምምላስን ግዝያዊ ማእከል ሓበሬታ ከፊቱ ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ገሊጹ።እቲ ብነጻ መስመር ቴለፎናት ዝወሃብ ኣገልግሎት ዝተፈላለዩ ክኢላታት ሰብ ሞያ ጥዕና ዝሳተፍዎ ብምዃኑ ዝኾነ ሓገዝ ዝደሊ ሰብ ቅልጡፍ ሓበሬታን ምላሽን ከምዝወሃቦ ኣዋሃሃዲ ናይ’ቲ ማእከል ዶ/ር ሃብቶም ክፍለ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ።
ናይ ህጹጽ ረድኤት ንዝደልያ ሓራሳትን ካልኦት ሕሙማትን ናይ ኣንቡላንስ ኣገልግሎት ከም ዝህብን ዶ/ ር ሃብቶም ተዛሪቡ።