ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ዞባ ጋሽ ባርካ ብዘጋጠመ ምውዳቕ ሄሊኮፕተር 4 ሰባት ሞይቶም


ዝሓለፈ ሰኑይ 5 ነሓሰ 2019 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ንኡስ ዞባ መንሱራ ከባቢ እንጅሓይ ብዘጋጠመ ምውዳቕ ሄሊኮፕተር 4 ሰባት ሞይቶም።ካብቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ እቶም 3 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ካፕቴን ንጉሰ ናይዝጊ፡ምክትል ተለንተ ሙሴ ገብረሂወት፡ጁ/ኤል ተወልደመድህን እስቲፋኖስ ክኾኑ ከለዉ እቲ ሓደ ድማ ኣባል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሰንጌንቲ ሽሻይ ተስፋማርያም እዮም።

ስነ ስርዓት ቐብሪ እቶም ዝሞቱ ብዓርቢ 9 ነሓሰ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኤርትራ ዞባ ጋሽ ባርካ ብዘጋጠመ ምውዳቕ ሄሊኮፕተር 4 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:33 0:00

XS
SM
MD
LG