ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ዞባ ማእከል ዕስለ ኣንበጣ ተራእዩ


ኣብ ኤርትራ ሰሜናዊ ምብራቕ ዞባ ማእከል፥ ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ፥ ኣብ ዘራእትን ጀርዲንን ጉድኣት ከየውረደ ንምቁጽጻሩ፡ ብምትሕብባር ህዝቢ፡ ምምሕዳራት፡ሓይልታት ምክልኻልን ሞያውያን ሕርሻን፥ ሓያል ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ጸብጺቡ።

ካብ ጨንፈር ሚንስትሪ ሕርሻ ዞባ ማእከል ኣቶ ኣብርሃም እዮብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡እቲ ዕስለ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ፡ ካብ ቀዳም 29 ነሓሰ ጀሚሩ ካብ ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ ብዓርጎሎ ኣቢሉ ናብ ከባቢ ድርፎ ከምዝሰገረ ብምግላጽ፡ ኣቐዲሙ ክትትልን ምድላዋትን ክግበር ብምጽንሑ ግን ኣብ ዝዓረፈሉ ቦታታት መድሃኒት ብምንጻግ ንምቁጽጻሩ ኣድማዒ ስራሕ ከም ዝተዓመ ሓቢሩ።

ሚንስትሪ ሕርሻ ኣቐዲሙ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ፡ነበርትን ሓረስቶትን ዕቱብ ክትትል ክገብሩ ምጽንሖም ዝሓበረ ኣመሓዳሪ ከባቢ ድርፎ ኣቶ ዑመር ኢብራሂም ጀቢብ ድማ፡ ኣብ ሃብቲ ገረብን ዘራእትን ዝጥቀስ ዕንወት ከየውረደ መድሃኒት ብምንስናስ ንምጥፍኡ ይስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣብ’ቲ ዕማም ነበርቲ ናይ’ተን ዝተራእየለን ዓድታት ብውህደት ይሳተፉ ከምዘለዉ፡ተራ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ህዝባዊ ሰራዊትን ድማ ኣድማዒ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን የመንን ዝሰገረ ጻዕቂ ዘይብሉ ሓዲሽ ተርእዮ ዕስለ ሳጋሚ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብንኡስ ጉጅለታት ኣብ ውሱን ከባቢታት ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ ተራእዩ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ። እቲ ኣብ ንኡስ ዞባታት ገልዓሎ፡ ፎሮ፡ ጊንዳዕ፡ ሽዕብ፡ ኣፍዓበትን ቃሮራን ዝተኸስተ ኣንበጣ ፡ተጌሩ ብዝጸንሐ ኩሉመዳያዊ ምድላዋት ብመድሃኒት ንምጥፍኡ ውሁድ ስራሕ ከምእተዓመ እቲ ዜና ወሲኹ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG