ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ዝዕለሙ ዝነበሩ ወተሃደራት ሶማል ንዅነታቶም ኣመልኪቶም ምስክርነት ይህቡ ኣለዉ


ተቓውሞ ደሃይ ደቀን ዝሓታ ኣደታት ሶማል- ፋይል
ተቓውሞ ደሃይ ደቀን ዝሓታ ኣደታት ሶማል- ፋይል

ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስልጣና ዝቐስሙ ዘለዉ ሶማላውያን ነዊሕ ከዛርብ ጸኒሑ’ዩ። እዚ እናሃለወ ግን ቍጽሪ’ቶም ሃዲሞም ነቲ መዓስከራት ዝገደፉ ወተሃደራት ይበዝሕ ኣሎ።

ሰለስተ ካብ ታዕሊም ዝሃደሙ ወተሃደራት ነበር ንኣገልግሎት ቋንቋ ሶማል ድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም ኣለዉ። እቶም ዝሃደሙ ወተሃደራት ከም ዝብሉዎ፡ ቍጽሪ ኣብ ኤርትራ ዝተዓለሙ ሶማላውያን 5,167’ዩ። ካልኦት ንጸጥታን ውትህድርናን እቲ ከባቢ ኣመልኪተን ዝሰርሓ ትካላት ግን እቲ ኣሃዝ ካብኡ ከም ዝዓቢ ይምጕታ።

ነቶም ዝሃደሙ ወተሃደራት ሻቕሎት ዝፈጠረሎም፡ ታዕሊም ካብ ዝውድእ ኣዋርሕ ደኣ ይሕለፍ እምበር፡ ገና ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ምጽናሖም’ዩ። መሓመድ ፋርሕ፡ ሓደ ካብቶም ሃዲሞም ዝወጹ ወተሃደራት’ዩ። መሓመድ ፋርሕ ከምዚ ክብል ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ፤ “ብለይቲ፡ ብ9 ሰነ’የ ኣምሊጠ። ንሽዱሽተ መዓልታት ድሕሪ ምጕዓዝና፡ ኣብ ስፍራ ዓፋር፡ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን በጺሕና።”

ብመሰረት ሓበሬታ መሓመድ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ክጽበዩ እንከለዉ፡ ምስ ካልኦት ሃዲሞም ዝመጹ 11 ወታሃደራት ሶማል ተራኺቡ። ሳላ መገዲ ዘርእዩዎም ሰባት ዝረኸቡ ድማ ብእግሮም ተጓዒዞም መሬት ሶማል ክበጽሑ ከም ዝኸኣሉ ይዛረብ።

ኵላቶም እቶም ኣምሊጦም ዝመጹ ወተሃደራት ዘማርሩሉ ጉዳይ ተመሳሳሊ’ዩ። ንሱ ድማ ሕማቕ መነባብሮ፡ ስእነት መግቢ፡ ቀረባት ጥዕናን ከምኡ’ውን ከቢድ ጉልበታዊ ስራሕን’ዩ።

መርማሪ ኣካል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ዝዕለሙ ዝነበሩ ወታሃደራት ሶማል ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ከም ዝተሳተፉ’ዩ ዘመልክት። እቶም ወተሃደራት ግን ብዛዕባኡ ኣፍልጦ ከም ዘይብሎም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ፍሉይ መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ኤርትራ፡ መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢክር፡ ወተሃደራት ሶማል ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ከም ዝተሳተፉ፡ ብሕልፊ እኳ ደኣ ኣብ ከባቢ ኣኽሱም ተራእዮም ምንባሮምን ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዝተቐብሉ ኣመልኪቶም ነይሮም።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ’ውን ብዛዕባ ተሳትፎ ወታሃደራት ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ብረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ሕቶ ቀሪቡሎም ነይሩ። ወሃብ-ቃል እቲ ክፍሊ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ሓበሬታ ከም ዘለዎምን ንጸብጻብ ፍሉይ መርማሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ይፍትሹዎ ከም ዘለዉን ሓቢሮም።

ወለዲ’ቶም ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ወተሃደራት ሶማል ካብ ምሕታት ኣየዕረፉን። ክሳብ ሕጂ ዘዕግብ መልሲ ዝሃቦም ኣካል ግን የሎን። ንድሕነቱ ምሉእ ስሙ ክሕብር ዘይመረጽ ዓብዲኑር፡ ወዱ ናብ ኤርትራ ብጥቅምቲ 2019 ከም ዝተላእከ’ዩ ዝነግር።

“ደጋጊምና ጠሪዕና፡ ተቓውሞና ዓው ኢልና ኣስሚዕና፡ ገለ ኣደታት ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከይደን ስምዕታአን ኣስሚዐን። ኮታስ ኩሉ ዝከኣለና ጌርና ኢና። ሰለማዊ ሰልፊ ክንገብር ኣብ ዝወጻእናሉ ድማ መንግስቲ ነቶም ጋዜጠኛታት ከይንዛረቦም ከልኪሉ። ስለዚ ትም ክንብል ንግደድ ኣሎና። መንግስቲ ከኣ ፍጹም ኣይተዛረበን።”

ንምዕዝምዛም ወለዲ’ቶም ንኤርትራ ዝተላእኩ ወታሃደራት እተጽንዕ ኮሚተ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ብሰነ ኣቚሙ ነይሩ። እታ ኮሚተ ግን ክሳብ ሕጂ ውጽኢት ስራሓ ኣየካፈለትን።

ክልተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ግን፡ መንግስቲ ነቶም ወታሃደራት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ከግዕዞም መደብ ሒዙ ምህላዉ ገሊጾም። ብመሰረት ሓበሬታ’ቶም ሰበ-ስልጣናት እቶም ወተሃደራት ናብ ደቡባዊ ምዕራብን ጁባላንድ ዝተባህለ ቦታን’ዮም ክግዕዙ።

ድምጺ ኣመሪካ፡ ንኣዛዚ ሓይልታት ሶማል፡ ሚኒስተር ምክልኽላ’ታ ሃገርን ሚኒስተር ዜና ኤርትራን ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይተዓወተን።

XS
SM
MD
LG