ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ኤርትራ ዝዕለሙ ዘለዉ ሶማላውያን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ንዓዶም ክምለሱ’ዮም” ፕረ. ሓሰን ሼኽ መሓሙድ


ፋይል
ፋይል

ንዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካ ምኽንያት ብምግባር ናብ ኣመሪካ ዝተጓዓዙ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፡ ኣብቲ ምስ ነባሮ ሚኒያፖሊስ ኣብ ዝገበሩዎ ህዝባዊ ርክብ፡ ኣብ ኤርትራ ክዕለሙ ዝጸንሑ ወታሃደራት ሶማል ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ንዓዶም ከም ዝምለሱ ሓቢሮም።

ኣብቲ ድሒሩ ናብ ህዝቢ ዝወጸ ቪድዮ እቶም ፕረዚደንት ከም ዝጠቐሱዎ፡ ምምላስ እቶም ወታሃደራት ኣብዚ ወርሒ’ዚ ዝጅምር ኰይኑ፡ እቶም ናይ መጨረሽታ ዙር ድማ ወርሒ ጥሪ ክምለሱ ምዃኖም ተዛሪቦም።

ኣገልግሎት ፈነወ ቋንቋ ሶማል ድምጺ ኣመሪካ ከም ዝጠቕሶ፡ ንኤርትራ ንወታሃደራዊ ተዓሊም ዝተላእኩ ሶማላውያን ብዝሖም 5,167’ዩ። እዞም ንወታሃደራዊ ተዓሊም ንኤርትራ ፈለማ ኣብ 2019 ዝተላእኩ ወታሃደራት፡ ብዛዕባ ምምላሶም ነዊሕ ከዛርብ ምጽንሑ ይዝከር።

ድሕሪ ስልጣን ፕረዚደንትነት ምሓዞም ክልተ እዋን ናብ ኤርትራ በጺሖም ምስቶም ተዓላሞ ዝተራኸቡ ፕረዚደንት ሓሰን፡ ነቶም ተዓሊም ዝወስዱን ሃለዋቶም ተኸዊሉን ዝነበረ ወታሃደራት ሶማል ንሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም ፈለማ ቃል ኣትዮም ነይሮም። እቲ ኣብ እዋኑ ዝተባህለ መብጽዓ ግን ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ክስልጥ ኣይከኣለን ጸኒሑ።

ኣብዚ ናይ ሚኒሶታ ርክቦም ግን እቶም ፕረዚደንት ሕጂ ምድንጓይ የሎን ኢሎም ኣለዉ-።

XS
SM
MD
LG