ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ዝረአ ለውጢ ምስ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝሳነ ኽከውን አባላት ባይቶ ኣሜሪካ ሓቲቶም


ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኤርትራን ዝግበር ዝኾነ ርክብ ኾነ ምፍኳስ ማዕቀባት ምእንቲ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ምስ ዕላማታት ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝተታሓሓዝ ምዃኑ ከተረጋግጹ ንጽውዕ ክብሉ ክልተ አባላት ባይቶን ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ አባላት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ንሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ ሓቲቶም።

ክልቲኦም አባላት ባይቶ ኣሜሪካ ነዚ መጸዋዕታ ዘቕረቡ ናብ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓምፐዮ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ’ዩ።

አባላት ኮንግረስ ጀመስ መጋቨርን ዲሞክራት ኣብ ማሰቸቱሰት ሪፖብሊክን ራንዲ ሃልቲግሪን ካብ ኤሎነይ ክልቲኦም ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ናይ ዝርከብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ቶም ላንቶስ ብሓባር ብአቦ መንበርነት ዝመርሑ ኮይኖም ብቀንዱ ናብ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐይን ቅድሑ ኸአ ንኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኒኪ ሃሊ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ቀረባ ንዝወሰድዎ ተበግሶ ሰላም ከም ዓቢ ዓወት ብሓጎስ ንቅበሎ፡ ኤርትራ ናብ ዞባውን ዓለማውን ማሕበረሰብ ምእታዋን’ውን ጽቡቕ ምዕባለ’ዩ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ዘረብሕ’ዩ ንርክብ ኣሜሪካን ኤርትራን እውን ኣገዳሲ’ዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Recommended

XS
SM
MD
LG