ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ካብን ናብን እንግሊዝኛ - ትግርኛ እትትርጉም ማሽን ማዕቢላ


ኣንቶኒዮ ሳሚኤል፡ዑስማን ሮመዳን፡ ፋኑኤል ሃብተማርያም፡ሄርሞን እስቲፋኖስ ፡ናትናኤል መንግስትኣብን ሮቤል ዮሃንስን ዝተብሃሉ ተማሃሮ ሓሙሻይ ዓመት
ምህንድስና ኮምፕዩተር ኮለጅ ማይ ነፍሒ ፡ምሉእ ሓሳባት ካብ ትግርኛ ናብ እንግሊዝኛ፡ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ እትትርጉም ማሽን ከምዘማዕበሉ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም ።

ነታ ማሽን ኣብዚ ሕጂ እዋን ከም ጎግል ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትካላት ዝጥቀሙሉ ምዕቡል ኣገባብ ቴክሎነጂ ተጠቂሞም ከምዘማዕበልዋን ሰብ ሰርሖ ብልሒ ከም እትውንን ተዛሪቦም። እዛ ማሽን ምስተን ቅድሚ ሕጂ ዝተፈተና ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ ጥራይ (On line) ዝትርጉማ ስርሓት ብምውድዳር ብዘይ ናይ ኢንተርነት መስመር (offline) ትሰርሕ ኣብ ርእሲ ምዃና ካብ እንግሊዝና ናብ ትግርኛ ከምኡ’ውን ካብ ትግርኛ ናብ እንግሊዝኛ ናይ ምትርጓም ብልጫ ከምዘለዋን ኣማዕበልታ ወሲኾም ተዛሪቦም ኣለዉ።

እዛ ኣብ ኤርትራ ናይ ፈለማ ዝኾነት ማሽን ፡ብእንግሊዝኛ ን ትግርኛን ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡መጻሕፍቲ፡ዶክመንታት፡ኣብ ዝተፈላለዩ ዕቑሑን ኣፋውስን ዝተጻሕፉ መምርሒታት (ማንዋላት) ወዘተ ኣብ ምትርጓም ንዝነበረ ሃጓፍ ኣብ ምምላእ ኣበርክቶ ከምእትገብር ብምግላጽ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ሞባይል ከምትሰርሕ ንምግባራ መደብ ከምዘለዎም እዞም ሽዱሽተ ናይ ኮምፕዩተር መሃንድሳት ገሊጾም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኤርትራ ካብን ናብን እንግሊዝኛ - ትግርኛ እትትርጉም ማሽን ማዕቢላ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:57 0:00


XS
SM
MD
LG