ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ኣህጉራዊ መዓልቲ ቆልዑ ብዝተፈላለየ መደባት ተዘኪሩ ውዒሉ


ኣህጉራዊ መዓልቲ ቆልዑ “ውሁድ ጻዕሪ ንምርግጋጽ መሰላት ቆልዑ’ ብዝብል ቴማ ሎሚ 20 ሕዳር 2019 ነቲ ዕለት ብዘንጸባርቑ ዝተፈላለዩ መደባት ተዘኪሩ ውዒሉ።

ኣብቲ ኣብ ኣስመራ-ኣዳራሽ ኤክስፖ ዝተገብረ ስነ ሰርዓት፡ ኣብ ሚንስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሰብኣዊ ድሕነት ኣቶ ምሕረትኣብ ፍስሃየ፡ ”ቆልዑ ንነብሶም፡ስድራ-ቤቶምን ሃገሮምን ዝኾኑ ብሉጻት ዜጋታት ንክኾኑ ድሌቶም ዝስምዑሉ ሃዋህውን ግዜን ክወሃቦም ኣለዎ“ ኢሉ።


ኣብ ኤርትራ ወኪል ዩኒሴፍ ሚስ ሻሂኒ ሎፐር ብወገና ‘ኣብዚ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንትግባረ ውዕል መሰላት ቆልዑ ዘጽደቐሉ መበል 30 ዓመትን፡ መበል 28 ሽርክነት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኤርትራን ዝዝከረሉ ድርብ በዓል፡ ኩላትና መብጽዓና እነሕድሰሉ መዓልቲ’ያ’ ኢላ።

ኤርትራ ኣብ ኣትሓሕዛ ቆልዑ ንዘመዝገበቶ ዕቤት ንምዝካር ሎሚ ምሸት ኣብ እግሪ ህንጻ ፊያት-ታሌሮ ብዩኒሴፍ ዝተወደበ ናይ ዝኽሪ መደብ ተኻይዱ ኔሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG