ኣስመራ —
ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣስመራ ዝኣተዉ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ምምዕባል ክልተኣውን ዞባውን ሓባራዊ ሽርክነት ዝተኮረ ዝርርብ ከምዘካየዱ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ገሊጹ።