ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ነጸርታ ሕማም ዓሶ እተለሊ ማሽን ማዕቢላ


 ናይ ኮምፑተር መሃንድስ ንጉሰ ብርሃነን ዶክተር ናሆም ዳኒኤልን
ናይ ኮምፑተር መሃንድስ ንጉሰ ብርሃነን ዶክተር ናሆም ዳኒኤልን

ዶክተር ናሆም ዳኒኤልን ናይ ኮምፑተር መሃንድስ ንጉሰ ብርሃነን ዝተባህሉ ክልተ መንእሰያት ኣብ ኤርትራ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዝኾነ ሕማም ዓሶ ዘለሊ ማሽን ኣማዕቢሎም።እታ ዘማዕበልዋ ማሽን ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ(AI) ትሰርሕ ኮይና ካብ ማይክሮስኮፕ ደረቕን ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ብምውሳድ ኣብ ሓጺር እዋን ምሉእ ነጸርታ ናይቲ ሕማም ከም እትህብ ኣማዕበልታ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ኣብ 2015 ኣብ ኡጋንዳ ተመሳሳሊ ማሽን ማዕቢላ ከምዝነበረት ዝገለጹእዞም ኣማዕበልታ፡እዛ ማሽን በቲ ትህቦ ኣገልግሎት ፍሉይነት ብልጫን ከምዘለዋን ምስ ዘለናዮ ናይ ቴክኖሎጂ ደረጃ ትሳነ ከምዝኾነትን ወሲኾም ኣረዲኦም።ብማሽን ኣብ ዝግበር ምልምማድ ዝየዳ ዳታ ምስ ተረኽበ ዝበለጸ ውጽኢት ከምዝርከብ ዝጥቐሱ ኣማዕበልታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ናይ ፈተነ ምስልታት ብዝገበርዎ ፈተን 82% ልክዕነት ዘለዎ ውጽኢት ከምዝሃበቶም ብምሕባር ዝያዳ ዳታ ብምሃብ ዝያዳ ልክዕነት ከምዝህልዋ ንምግባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መሕትት ዶ/ር ናሆም ዳኒኤልን ናይ ኮምፕዩተር መሃድስ ንጉሰ ብርሃነ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኤርትራ ነጸርታ ሕማም ዓሶ እተለሊ ማሽን ማዕቢላ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:04 0:00


XS
SM
MD
LG