ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ትማሊ ዝጀመረ ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊ መርመራ ሻሙናይ ክፍሊ፡ ጽባሕ ቀዳም ክዛዘም`ዩ


ኣብ ኤርትራ ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊ መርመራ ሻሙናይ ክፍሊ፡ ትማሊ 13 ሰነ ኣብ መላእ ሃገር ከምኡ’ውን ኣብ ሪያድን ጅዳን - ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ መፈተኒ ማእከላት ክወሃብ ከም ዝጀመረ መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ሓቢረን ኣለዋ።

እቲ ኣብ ማእከላት ተሃድሶ እውን ዝወሃብ ዘሎ ሃገራዊ ፈተና፡ ሓሙሽተ ዓይነታት ትምህርቲ - ማለት እንግሊዝ፡ ማሕበራዊ ትምህርቲ፡ ቊጽሪ፡ ሓፈሻዊ ስነ-ፍልጠትን ናይ ዜግነት ትምህርትን ከምጠቓልል ይጠቅስ።

ኣብ’ዚ ክሳብ ጽባሕ ቀዳም15 ሰነ ዝቕጽል ፈተና፡ ብደረጃ ሃገር 49.6 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም ኣስታት 54 ሽሕ ተማሃሮ፡ ኣብ 407 ማእከላት ይፍተኑ ከምዘለዉ፡ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ዞባ ማእከል ጥራሕ፡ ልዕሊ 14 ሽሕ ተማሃሮ ይፍተኑ ከምዘለዉን፡ ልዕሊ ፍርቂ፡ ማለት 53 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን ተሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG