ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ብዝተኻየደ ምርመራ ተወሰኽቲ 12 ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ምርካቦም ተገሊጹ


ኣብ ኤርትራ ብ16 ሰነ ኣብ ዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራ 12 ተወሰኽቲ ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምእተረኽቦም ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቶም 11 ኣብ መወሸቢ ማእከል ዓዲ ባራ ተውሺቦም ዝጸንሑ ክኾኑ ከለዉ፡እቲ ሓደ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዝተመልሰ ዜጋ ምኳኑ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ኤርትራ ዛጊት ቁጽሪ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦም ሰባት 121 በጺሑ’ሎ።39 ካብ’ቲ ሕማም ሓውዮም ክፋናዉ’ከለዉ 82 ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ከምዝረከቡ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG