ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም ካብ ዝነበሩ 39 ሰባት 38 ምሕዋዮም ተገሊጹ


ኣብ ኤርትራ ብቫይረስ ኮሮና ካብ ዝተታሕዙ 39 ሰባት ብዘይካ ሓደ እቶም 38 ኩሎም ሓውዮም ከምዝወጹ ሚንስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ብመሰረት`ቲ ሓበሬታ’ቲ ሚንስትሪ እዚ ዝኸውን ዘሎ ሓንቲ ዜጋ ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረላ ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ሰኑይ ሓውያ ናብ ስድራቤታ ድሕሪ ምፍናዋ`ዩ።

ብወድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 መዓልታት ዝኾነ ሓዲሽ መልከፍቲ ካብ መንጎ ዘይተራእየለን ሃገራት ተባሂላ ዝተጠቕሰት ኤርትራ፥ ሓደ ሕሙም ጥራይ ተሪፉዋ ከምዘሎን በቲ ቫይረስ ዝሞተሰብ ከምዘይብላን ኣፍሊጣ`ላ። ይኹን`ምበር ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ናይ ትማሊ መግለጺኡ እቲ ሓደጋ ጌና ስለዘይጠቐንጠጠ: እዚ ኣወንታዊ ምዕባለታት ከዛንየና ኣይግባእን ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ`ሎ- ።

ኤርትራ ዝሓለፈ ሰሙን ገለ ልምዓታዊ ዝተባህሉ ኣብያተ ንግዲ ክኽፈቱ ኣፍቂዳ`ያ- እቲ ኣዋጅ ምዕጻው ወይ ኣብ ገዛ ምጽናሕ ግን- ገና ኣየፍኮሰቶን።

XS
SM
MD
LG