ዋሽንግተን —
ኣብ ኤርትራ ብቫይረስ ኮሮና ካብ ዝተታሕዙ 39 ሰባት ብዘይካ ሓደ እቶም 38 ኩሎም ሓውዮም ከምዝወጹ ሚንስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ብመሰረት`ቲ ሓበሬታ’ቲ ሚንስትሪ እዚ ዝኸውን ዘሎ ሓንቲ ዜጋ ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረላ ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ሰኑይ ሓውያ ናብ ስድራቤታ ድሕሪ ምፍናዋ`ዩ።
ብወድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 መዓልታት ዝኾነ ሓዲሽ መልከፍቲ ካብ መንጎ ዘይተራእየለን ሃገራት ተባሂላ ዝተጠቕሰት ኤርትራ፥ ሓደ ሕሙም ጥራይ ተሪፉዋ ከምዘሎን በቲ ቫይረስ ዝሞተሰብ ከምዘይብላን ኣፍሊጣ`ላ። ይኹን`ምበር ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ናይ ትማሊ መግለጺኡ እቲ ሓደጋ ጌና ስለዘይጠቐንጠጠ: እዚ ኣወንታዊ ምዕባለታት ከዛንየና ኣይግባእን ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ`ሎ- ።
ኤርትራ ዝሓለፈ ሰሙን ገለ ልምዓታዊ ዝተባህሉ ኣብያተ ንግዲ ክኽፈቱ ኣፍቂዳ`ያ- እቲ ኣዋጅ ምዕጻው ወይ ኣብ ገዛ ምጽናሕ ግን- ገና ኣየፍኮሰቶን።