ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦም ሰባት ናብ 304 ክብ ኢሉ


ኣብ መወሽቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ ባርካን ደቡብን ተዓቒቦም ንዝጸንሑ ሰባት ሰሉስ 18 ነሓሰ ብዝተገብረሎም መርመራታት፡ 19 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኽቦም ሚንስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ`ሎ።

እዞም ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት 16 ካብ መወሽቢ ማእከል ዓዲባራ፡ሓደ ካብ መወሽቢ ማእከል ዓሊጊድር፡ ሓደ ካብ መወሽቢ ማእከል ኦምሓጀር ዞባ ጋሽ ባርካ ክኾኑ’ከለዉ፡ ሓንቲ ድማ ካብ መወሽቢ ማእከል ሰርሓ ዞባ ደቡብ ከምዝኾኑን፥ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ሳምንታት ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተመልሱ ከምዝኾኑን ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓቢሩ’ሎ።

እዚ ከምዚሉ’ከሎ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ዞባታት ጋሽ- ባርካን ደቡብን ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ተዓቑቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 13 ዜጋታት ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምእተፋነዉ እቲ ሚንስትሪ ኣፍሊጡ’ሎ። በዚ መሰረት ቁጽሪ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦም ሰባት 304 በጺሑ’ሎ። ካብኣቶም ድማ 261 ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ክፋነዉ’ከለዉ 43 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቑቦም ከምዝርከቡ ተሓቢሩ’ሎ።

ዛጊት ቁጽሪ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍንዉ ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ዜጋታት ድማ 13,306 ከምዝበጽሐ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG