ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ተወሰኽቲ ክልተ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና ተረኺቦም


ኣብ ኤርትራ ከብ 17 ግንቦት ክሳብ 2 ሰነ ኣብ ዝተኻየደን ካብ 4,659 ስድራ-ቤታት ሓደ ወኪል ብምስታፍ ኣብ ዝተገብረ መርመራኮቪድ-19 ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ በቲ ሕማም ምልካፋ ከምዝተረጋገጸ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ ትማሊ 3 ሰነኣፍሊጡ።ምስታ ጓል ኣንስተይቲ ቀጥታውን ተዘዋዋርን ርክብ ዝነበሮም በዓል-በታ ሓዊስካ 13 ሰባት ኣብ መወሸቢ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዝተገብረ ተወሳኺ መርመራ በዓል-ቤታ’ውን ምልካፉ ከም እተረጋገጸ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ኣፍሊጡ’ሎ።ነዞም 2 ሰብ ሓዳር ሓዊስካ ቁጽሪበቲ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት ናብ 41 ክብ ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተታሕዙ ሰባት ናብ 41 ክብ ኢሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:04 0:00


XS
SM
MD
LG