ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ቀለበታዊ ግርደት ጸሓይ ምርኣዩ ተገሊጹ


ኣብ ኤርትራ ቀለበታዊ ግርደት ጸሓይ ትማሊ ሰንበት ንግሆ ምርኣዩ ተገሊጹ።

እቲ ባህርያዊ ክስተት ብኣቆጻጽራ ኤርትራ ካብ ንግሆ 6፡46 ጀሚሩ ንደቓይቕ’ዩ ቀጺሉ ኔሩ።

እዚ ጆግራፍያዊ ክስተት ኣብ ገለ ክፋል ኣፍሪቃ: ኣውሮጳ፡ኣውስትራልያ፡ ሰላማዊ ውቅያኖስን ህንዳዊ ውቅያኖስን’ውን ከምእተራእየ ተፈሊጡ’ሎ።

ግርደት ጸሓይ፡ወርሒ ኣብ መንጎ መሬትን ጸሓይን ብምእታው ጩራ ጸሓይ ብርሃን ናብ ምድሪ ከይሓልፍ ክኽውሎ ከሎዝፍጠር ተርእዮ’ዩ።ኣብ 2020 ክልተ ግዘ ግርደት ጸሓይ ክኽሰት ምዃኑ ዝሕብሩ ክኢላታት፡እቲ ካልኣይ ኣብ ኣብ መፋርቕ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ከጋጥም ከምዝኾነ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG