ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጕ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ሩስያ ዝርከብዎም 6 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ዋና ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ኣብ ዝርከብ መእተዊ ኤምባሲ ሩሲያ ሎሚ ሰኑይ ብዝተፈፀመ ርእሰ-ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ነታጕ ክልተ ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ ሓዊሱ ብውሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ'ሎ።

ንሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩሲያ ዝጠቐሰት መንግስታዊ ወኪል ዜና ሩሲያ እቲ መጥቓዕቲ ሩሲያዊ ዲፕሎማት ቪዛ ንምምልካት ተሰሊፎም ናይ ዝነበሩ ሰባት ንምፅዋዕ ናብቲ ማዕጾ ምስወፁ እዩ ተፈፂሙ።

ዜጋታት ኣፍጋኒስታን እውን ግዳያት ናይቲ ፍንጀራ ምዃኖም እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።ወሃቢ ቃል ፖሊስ ካቡል ኻሊድ ዛድራን ሓደ ኣፍጋናዊ ስቪል ከምዝተቐተለ ብምርግጋፅ እቲ ቦምብ እንተወሓደ ን10 ሰባት ምቑሳሉ ገሊፁ ኣሎ።

ጣሊባን ቅድሚ ሓደ ዓመት ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤምባሲታት ከምዚ ዝበለ መጥቓዕቲ ክፍፀም ንመጀመሪያ ግዜ እዩ።ክሳብ ሕጂ ሓላፍነት'ቲ መጥቓዕቲ ዝወሰደ ኣካል የለን።

XS
SM
MD
LG