ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍሪቃ ግብረሽበራዊያን ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና መዝሚዞም ዳግም ንምትንሳእ ይጥቐምሉ'ለው ክብል ኣፍሪኮም የጠንቅቕ


ኣብ ኣፍሪቃ ንማህሰይቲ ለበዳ ኮሮና መዝሚዞም ዝንቀሳቐሱ ግብረ ሽበራዊያን ዳግም ንምትንሳእ ኩሉ ዝክኣሎም ይገብሩ ከምዘለዉ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኣመሪካ ኣሰሚዑ። ብተመሳሳሊ፥ ኣብ ገለ-ትሕቲ ሰሃራ ሃገራት መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ይውስኽ ከምዘሎ ሓደ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ካብ ናይጀርያ ክሳብ ሞዛምቢክ ጎንጻዊ ጽንፋውያን ውዱባት ንቅልውላው ኮሮና መዝሚዞም ኣብ ልዕሊ`ቲ ድኹም ክፋል ሕብረተ-ሰብ ዕላማታቶም የሰጉሙ`ለዉ ይብል -ጀነራል ዳግቭን ኣንደርሰን- ኣዛዚ`ቲ `ኣፍሪኮም` ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ፍሉይ ሓይሊ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

"ጥሩፋት ጉጅለታት ነዚ ብኮቪድ ዝረኸብዎ ኩሉ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ይሰርሑ`ለዉ። ምኽንያቱ ኮቪድ ንመንግስታት ዓለም ኣጨኒቑ ከምዘሎ- ንመንግስታት ኣፍሪቃ`ውን የጨንቕ ከምዘሎ ፍሉጥ`ዩ። ስለዚ እዞም ጽንፋውያን ነቲ ድኹም ጎንታት ኣላልዮም ንምምዝማዙ ከምዝሰርሑ ፍሉጥ`ዩ።”


ኣብ ማሊን ኣብ ቡርኪናፋሶን ልዕሊ 3,000 ኣብያተ-ትምህርቲ ብጥሩፋት ጉጅለታት ከምዝተዓጽዉ ዝጠቅስ ጀነራል ኣንደርሰን፥ ኣብ ዲ-ኣር-ሲ ኣብ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ከምኡ`ውን ኣብ ሞዛምቢክ ምንቅስቓሳቶም ንምሕያል ንሕሰም ከባቢያዊ ሕብረተሰብ ከምዝጥቀሙሉ ይገልጽ።


ኣተሓሒዙ፥ ገለ ካብቶም ጥሩፋት ጉጅለታት ፥ዕሱባት ኣጥቃዕቲ ከምዝጥቀሙን፥ ከም `ዋግነር ግሩፕ` ዝብሃል ዕሱባት ዘዋፍር ወተሃደራዊ ኮንትራክተር`ውን ከም ኣብ ሞዛምቢክ: ሊብያ: ሱዳንን ኣይቮሪኮስትን ዝበላ 20 ሃገራት ዝነጥፍ ምዃኑ ይገልጽ። ከምኡ`ውን እቲ `ዋግነር ግሩፕ` ዝብሃል ጉጅለ ምስ ሩስያ ምትእስሳር ኣለዎ ተባሂሉ ብተንተንቲ ንዝውሃብ ኣበሃህላ ከምዝሰማማዓሉ ጀነራል ኣንደርሰን ጠቒሱ`ሎ። ክረምሊን ግን ነቲ ክሲ ትነጽጎ`ያ።


ኣብ ዙርያ ዓለም ማሕበረሰባት ኣብ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝርከብሉ እዋን፥ ኣብ ኣፍሪቃ`ውን ወተሃደራዊ ፍታሕ ጥራሕ ንበይኑ ጠለባት ውሕስነት መግቢን ትምህርትን፡ ከምኡ ግቡእ ክንክን ሕክምናን መሰረታዊ ኣገልግሎታት መንግስትን ከማልእ ስለ-ዘይክእል፥ እቶም ጥሩፋት ጉጅለታት ነዚ ሃጓፋት መዝሚዞም ስርሖም ከይሰርሑ ምጥቃቕ ከምዘድሊ ይምዕድ።


ብኻልእ ወገን፥ ኣብ ዞባ ሳሕል ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ፒተር ፋም፥ ምስዚ ለበዳ ተተሓሒዙ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝካየድ መጥቃዕትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን`ውን የሰክፍ`ዩ ይብል።ኣብ ማሊ ተላዒሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣሰካፊ ምዃኑ ዝገልጽ ፒተር ፋም ኣብቲ ሰሕል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰሃራዊ ከባብታት ዝርከባ ካልኦት ሃገራት`ውን መጥቃዕቲ የጋጠመን ኣሎ`ሉ።

'ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዓመት ጥራይ፥ ኣብ ማሊ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን 270 መጥቃዕትታት ተፈጺሙ። እዚ ቁጽሪ`ዚ ዘርእዮ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ40% ከምዝወሰኸ`ዩ፡ እዚ ኣካይዳ`ዚ ድማ የሰክፍ`ዩ ።”


ምምሕዳር ትራምፕ ረብሓ ናይቲ ቢልዮናት ዶላር ዝምደበሉ ዕቃበ-ሰላም ተልእኮ ኣብ ሕቶ ምልክት ድሕሪ ምእታው ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ወታሃድራዊ ተልእኮ ባጀቱ ክቖርጸሉን ቁጽሪ ሰቡ ክንክን ይደፍእ ኣሎ- ።


ፒተር ፋው እቲ ጸገም ብመሰረቱ፥ መንግስታት ከስተብህልሉ ዝግባእ ምምሕዳራዊ`ምበር ወተሃደራዊ ኣይነበረን ይብል። ብመንግስታት ዝፍጸም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፥ ኣብቲ ኣንጻር ጽንፋውያን ዝካየድ ቃልሲ ሓጋዚ ኣይኮነን ዝብል ላዕላዋል ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሃገራት ሳሕል- ፒተር ፋም፥ ብፍላይ ኣብ ቡርኪናፋሶን ማሊን ዝርአ ዘሎ ወሰኽ ዘይምርግጋእ ቀጻሊ ብድሆ`ቲ ዞባ ምዃኑ ኣስሚርሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG