ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍሪቃ ድኽነትን ዝሓሸ ክፍሊትን ካብ ስነ-ሓሳብ ንላዕሊ ንምልመላ ጅሃዳውያንን ምቹእ ኮይኑ ከምዘሎ ሕ/ሃ ኣፍሊጡ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኣፍሪቃ ድኽነትን ዝሓሸ ክፍሊትን ካብ ስነ-ሓሳብ ንላዕሊ ንምልመላ ጅሃዳውያንን ጎንጻውያን ጉጅለታትን ምቹእ ኮይኑ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ብሕቡራት ሃገራት ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ነቶም ምስ ቦኮ-ሓራም: ኣልሸባብን ብኣልቃዒዳ ዝድገፉ ጉጅለታትን ንክጽንበሩ ዝድርኾም ዘሎ ምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነት ዘይምዃኑ ዘርኢ`ዩ ይብል።

ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2021 ኣብተን ጥሩፋት ጉጅለታት ዝሕምስወን ዝብሃላ ሃገራት ማለት ቡርኪናፋሶ፡ካመሮን፡ጫድ፡ማሊ፡ ኒጀር፡ ናይጀርያ፡ ሶማልን ሱዳንን፡ ን2,200 ሰባት ቃለ-መጠይቕ ድሕሪ ምክያድ ካብ መንጎ`ቶም ብፍቓዶም ናብቶም ጽንፋውያን ዝተጸንበሩ ርብዖም፡ ቀንዲ ምኽንያት መጸንበሪኦም ክፍሊት ስራሕ ምዃኑ ሓቢሮም ይብል።

እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2017 ዝነበረ ኣሃዝ ብ92% ዝወሰኸ ምዃኑ ዘርኢ`ዩ።ሓላፊ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት(UNDP) ኣኪም ስተይነር “ኣብ ብዙሓት ሃገራት ስእነት ኣታዊ፡ ስእነት ዕድላት፡ሕመቕ ናብራን ተስፋ ምቑራጽን እዮም ንሰባት ናብ ዝኾነ ዘይሓሰብዎ ነገራት ክኣትዉ ዝደፍእዎም ዘለዉ፡” ይብል።

ኣስታት 22% ካብቶም ዝተሓተቱ ድማ ምስ ቤተ-ሰቦምን ኣዝማዶምን ክጽንበሩ ኢሎም ጥራሕ ናብቶም ጽንፋውያን ጉጅለታት ከምዝኣትዉ እቲ ትካል ይገልጽ። እቲ ጸብጻብ ብምስዓብ ሃይማኖታዊ እምነት ተበጊሶም ናብተን ጉጅለታት ዝጽንበሩ 17% ጥራይ እዮም፡ እዚ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ዝሕዝ`ዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG