ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጅቡቲ: ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ነጻ ናይ ንግዲ ዞባ ተመሪቑ


ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ነጻ ናይ ንግዲ ዞባ ጅቡቲ ትማሊ ሓሙስ ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ኢስማዒል ዑመር ገለ እዚ ናይ ትሕቲ ቅርጺ ፕሮጀክት ንቦታ ጅቡቲ ኣብ ዓለምለኸ ንግድ ክብ ዘብል’ዩ ክብሉ ንዒዶም።

እዛ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪን ናይ ስወዝ መትረብ ትርከብ ቀርኒ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ጅቡቲ ኣብ 2017 ሰለስተ ሓደሽቲ ወደባት ዝኸፈተት ኮይና ብተወሳኺ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽባ መስመር ባቡር ምድሪ ምዝርጋሓ’ውን ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ እቲ ዞባ ነጻ ንግዲ ጅቡቲ “ዓወት ምብራቕ ኣፍሪቃ’”ዩ ክብሉ ዝገለጹ ኮይኖም እዚ ርእይቶ ፕረዚደንት ሶማል ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ብዝተረኽቡ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ኡጋንዳን’ውን ተቃሊሑ’ዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ነጻ ናይ ንግዲ ዞባ ጅቡቲ ተመሪቑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:38 0:00

እቲ ምስ ቀንዲ ወደብ ጅቡቲ ዝተራኸበ ዞባ ነጻ ንግዲ ካብ ቀረጽ ነጻ ዝኾነ መተባብዒን ምሉእ ዝኾነ ናይ ሎጀስቲክ ሓገዝ ብምሃብ ንምስፋሕ ቁጠባ፡ ምፍጣር ስራሕን ናይ ወጻኢ ወፍሪ ንስሓብ ዝዓለመ ምኳኑ ተገሊጹ’ሎ።

እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተመረቐ ፕሮጀክት ኣብ 240 ሄክታር መሬት ስፍሓት ዘለዎ ቦታ ምዃኑን ድሕሪ 10 ዓመት ምሉእ ንምሉእ ከምዝዛዘም ተሓቢሩ’ሎ።

እቲ ዞባ ነጻ ንግዲ ብመሪሕነት ጅቡቲን አጋርነት ሰለስተ ናይ ቻይና ኩባንያታት ዝካየድ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG