ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍሪቃ ዑደት ዘካይዱ ዘለው ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ሩዋንዳ ኣትዮም


ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ወግዓዊ መገሻ ይፍጽሙ ዘለው ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎሚ ሓሙስ ሩዋንዳ ኣትዮም። ዋሽንግተን ምስ ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ኣብ ማዕረ ሽርክና ዝተመስረተ ጽምዶ ክህልዋ ዝብል ሓድሽ ስትራተጂ'ውን ኣፋሊጦም።

ምብጻሕ እቶም ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ኮንጎን ሩዋንዳን ብሰንኪ ንደባይ ተዋጋእቲ ትሕግዝ ኣላ ብምባል ንሓድሕደን ኣብ ዝካሰሳሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ብሊንክን፣ ጉዳያት ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን እውን ከምዘልዕሉ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG